ገለስ ኣሎ ገለ ዘይተፈልጠ
ሒዙና ዘሎ ኣፋፎትና ዘስሓተ
ፈታው ተገዛእቲ ክንከውን ነብስና ዝመረጸ
እዛሕማምና ኣበይኮያ ዘላ
ከይንፍውሳ ሲኢናዮ ኣድራሻ
ንዘይንኽእሎ ዲና ጸርናዮ ሕማማ
ዘይርከቦ ፈውሲ ተወሪስና ዕላማ
እቲ ናትና ሂወት እንዕሉዩ ከመይ
ምርዳእ ኣቢዩና ናበይዩ ናበይ
ንቡር ዘለና ክመስል ገይሩና ከይኣኽሎ
ሰሪሑና ሰብ ምስሊ ጥዕና ከምዘሎ
ዘይዕረኳ የለን ክዕረ ዝኽእል
ንእመኖ ሕምቀትና ፈውስና ክንቅበል
ንንብስና ጥራይ ሃሰው ደኣ ንበል
ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ጥዕና ክንክተል
ብድሕሪኡዩ ከመይ ከመይ ከምዝነበረ
ኣድራሻ ፈውስና መስመሩ ምስ ሓዘ
ሰብዩ ንሰብ ዝሰርሖ ሰብ ዘግብሮ
ስለዚ ኸኣዩ ነብሰ ምትእምማን ይሓድሮ
ሰብ ደኣ ንኹን ሕማምና ክንፉዉሶ