ኣሚነያ _ ኤረይ ሃገረይ…
ኩልንትናይ ሂበያ _ ንኤረይ ሃገረይ…
ኣፍቂረያ _ አረይ ሃገረይ…
ንዘንቲእለት ክትኮነኒ ተተምኒየያ…
እንታይሞ ’ገበር ዕሸል ዕድሚኣ ኣብሊያ…
ኣይወርሒ ኣይዓመት ከይሓከመት…
ኣበብጽባሕ ጠባያ እንዳቐየረት…
ሃንደበት መገሻ ንፋስ ህቦብላ…
ዘይተጻበኹዋ ናበይያ ነቒላ…
ናበይያ ነቒላ ክትከይድ ውዒላ…
ኣካሓለፈ ከምሎሚ ከይኮነ…
ጽንዓት ቃል ኪዳንና መንከ ዘይኣመነ…
ብልሓቱ ጠፊኡኒ’ሎ ንመንየ ዝብሎ…
ኩሉ ሓደ ኾይኑኒ ነገሩ ዘይሕሎ…
ደረቱ ዘይሕሎ ንመንየ ዝብሎ…
ደረቱ ዘይሕሎ ናይለንዘበን በሎ
ሞፍትኣ ኾይኑዋ’ሎ ጥራይ ዒንኪላሎ
ደረቱ ዘይሕሎ ናይለንዘበን በሎ
ሞፍትኣ ኾይኑዋ’ሎ ጥራይ ዒንኪላሎ
በል ኣንቀሎ ደሓን እቶ በሎ
ኣብ ቅድሚ ዓደቦ ኩላ ክትዕዘቦ
መንና ሓቂ ክህቦ …
እዎ… ላለ… እዎ ላላ…