ኣነ’የ ኣነ እወ ኣነ ፈታው ሃገረይ
ቀዳምነት ዝሰርዖ ሃገራውነተይ
ካብኡ ዝዓቢ የብለይን ብጉዳይ ሃገረይ
ድቃስ’ዩ ዝኸልኣኒ ቅልውላው ሃገረይ
ንዘይታሓዝ ክሕዝ ዘይብሉ ፋይዳ
ሃገር ከላ ባዓባያ ተሰካሚ ዕዳ
ዘየድሊ ኩዳ፡
ኩሉ ድሕሪ ሃገረይ’ዩ ትሕቲ ቅርጺ ዘበለ
ክጸሪ ዘለዎዩ ባህጊ ከይበለለ፡
ተር ኢሉ ከም ዓተር መስርዑ ምስሓዘ
ፈፍርዱ ክዋሃቦ ማዕረ ዝዳነ
እቲ ዝደልዮ ኣነ፡
ፍቕሪ ሃገር ኣለኒ ወነይ ዝቕስቅሰኒ
ኩልንትናይ ሃምነይ ቀልበይ ዘገድደኒ፡
ሕጂዩ ቲግዜ ዝባሕ ኣይኮነን
መሰረት ተዘይገይረ ማዕርነት የለን፡
ስምራ፡…
ኣነ’የ ኣነወ… ፈታዊ ሃገረይየ…
ሃገረይ ዝትምነያ… ሃገራዊ መንፈስ ዘለዋ…
ሕደጉኒ ኣይተስሙዑኒ
ኣውራጃ ወይ ዓዲ ዳበልኩም ኣይተጽምሙኒ
ዕዮ ገዛ ኣለኒ ጉዳይ ሃገር ዝዓቢ
ቀዳምነት ዘይህቦ እንታይ’ዩ ናዓይ ክኾነኒ
…ኣነየ ኣነየወ… ፈታዊ ሃገረይየ…