ኣምበላይ ቀላሳይ
ናይ መሬት ነባይ
መሰልካ ሓሉ ኣላይ ኢኻ መለይ
ተጣባቒ መሰልካ
ባዕልኻ ኢኻ
ኣላይ መሬትካ
ዋሕስ ናይ ህዝብኻ
ጻዕርሓ’ዩ ምእላይ…
ከተካይዶ መኸዳኻ…
ክኾነልካ ሰናይ…
ኣምበላይ ኢኻ ቀላሳይ…
ወሰን በሎ ደኣ ወሰን…
መሰልካ ዝጻረር…
ድሕርሕር ኣይትበል…
መለይ’ኻ ወስን…
ጻማ’ለዎ ጻዕርኻ
ምዕባለ ዘሳጋግር
ሙዕሩይ ናብራ ሂወትካ
ዘማእክል ዝፈጥር…
ስምራ፡
ተጣባቒ
መሰልካ ባዕልኻ
መለይ ኣምበላይ ንስኻ…
መሰል ንወዲ ሰብ
ኩቡር’ዩ ነባሪ
ብቀሊሉ ዘይትምመን…..
ኣምበላይ
ቀላሳይ ኣላይ
መኸዳ ተኻላኸላይ…
ተጣባቒ መሰልካ
ባዕልኻ ኢኻ
መለይ ኣምበላይ ንስኻ…
ኣምበላይ
ቀላሳይ ኣላይ
መኸዳ ትገኻላኸላይ…