ንፋስ ሃገረይ ናፊቐዮ
መቐረት ሂወት
ደልየ ሲኢነዮ
ከም ሎሚ ከይኮነ
ዘመን ግርምቢጦ
ባዓል ጮው እግሮም
’ዛ መሬት ፍቕሪ
የእቲዮምላ… ቁሪ ነባሪ
ኣክንዲ ፍትሒ
ፍርዶምያ በትሪ
መሬት ዓደይ
ዛዓደይየ 3…
ገምገም ባሕሪ
ቅናታ ሃገረይየ 3
ቆላ ደጋ ዕድላየ
ሩሑቕን ቀረባን
ትሰምዕዶ’ሎኻ
መሬት ኽጭድር
ጎልጎል ዓደቦኻ
ትጉሽተትካ ድዩ
ትጉሽተተየ
ሓንጊድይ ኣቢዩ
መሬት ንፋስ ዓደየ
ሓሪምዎ ሎ
ጸላም ከይእለ
ኔሩ ብኣጋ
ሎሚ ኮይኑ ብዋጋ