ንቕሓት መለለይኡ’ዩ ሃብቲ
ረቂቕ ስነ ሓሳብ መምዘኒ ናይ ስልቲ
ስፍሓት ኣእሙሮ ሓንጎላዊ ትዕድልቲ
ፍልጠት ንምርካብ ደቓይቕ ብውቕጢ
ንቕሓት’ዩ ብስለት ሓንጎል መባራበሪ
ንከይብተን ኣካቢ ኣሳሪ
ኮስኳሲ ጥዕና ሂወት የማዓራሪ
ወፍሪ ምዕባሌ ፈጣሪኡ ብልሐት
ንዕለታዊ ወፍሪ
ህዝብና ግን መዋእል ኮይንዎ
ዝምህሮ ሲኢኑ ተሓሪምዎ
ጸቕጢ ኾይኑዎ ንቍሓቱ ኸይዓቢ
ኣብዙሪያ ዓንኬል ተሸሚሙ ግቢ
ረብሓ ተበለጽቲ
ንቕሓቱዩ ፍልጠቱ ዝምህሮ
ንቕሓት መለለይኡ’ዩ ሃብቲ
ረቂቕ ስነ ሓሳብ መምዘኒ ናይ ስልቲ
ስፍሓት ኣእሙሮ ሓንጎላዊ ትዕድልቲ
ፍልጠት ንምርካብ ደቓይቕ ብውቕጢ
ማዕበል ናይ ምዕባሌ…
ንቕሓት ካብኮነ…
ጉያ ምስዚ ዘመን…
ከከምዚ ኣመነ…
ካብ መሬት ንላዕሊ…
ህዝቢዩ ዝዓቢ…
ክነቕሕዩ ዘለዎ ብስለቱ ንኽዓቢ…
ሰረት ወለድኡ ዓረ ኣረካቢ