ኣንታ ሕደግ
ሕደግየ ሕደግ
ነብስኻ ኣይተታልላ
ሕደግየ ሕደግ
ብላሽ ኣይትታሓገግ
ጽቡቕ ዘለኻ ኮይኑ ከይመስለካ
ንስኻን ድሕሪ ባይታኻን
ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል
ዕለተ ሂወትካ
ናብ ሚእቲ ዓመት ጋማን ዳተመሊስካ
ንንቡር ዘይምንባር ምንባር ለሚድካ
እምብለይ እምብለይዶ በላ
ነብስኻ ሃሰስ ኢልካ ኩሉላ
ኣብዚኣያ ዘላ መስመረይ ኢልካ ስርሓላ
ንቡር ጉዕዞኻስ ከተርክበሉኢኻ
ዝጽረ ኣጽሪየላ ነባሪት ሂወትካ
ነብስኻ ኣይተታልላ … ለማጽ ክትኮነላ …
ኩርኳሕ ከምዘላ … ኣይትዘንግዓላ …
ዝጽረ ኣጽሪየላ … ነጻነት ክትከውን
ወድዓዊ ኩውንነት ኣማዛዝነላ