ብምሊዮናት ኣህዛባት ከለና
ብሰንኪ ጠላማት ከሲሩ ህዝብና
ብላሽ የሕሲሮሞ ነዚ ሓላል ህዝብና…
ምሽክናይ ህዝቢ መራሒ ሲኢኑ ዝኣሊ
ዘማእክሎ ዘዳንዮ ብብላሽ ከይበሊ…
ጸብጺብካ ዘይውዳእ ክስራን…
ከሲርና ሰፍ ዘይብል ክስራን…
ብሰንኪ ውልቀ መላኺ…
ኤርትራዊ ሒዙ ስልጣነ ምልኪ…
ንዘመናት ሰባት ዳጽነተ ኢነብር ያሓንን…
ኢምርዝ ባህልን ሃይማኖትን ሃገርን ህዝብን…
2ይ ገዛ…
ከይስድር መጻኢ ዕድሉ …
ተባዚሑ ከይስስን…
ዝተኾልፈ ከይዕምብብ…
ከየስተማቕር ጎደና ምዕባለ…
ጹሩይ ማይ ከይሰቲ ዝተኸልከለ ህዝቢ…
ስምራ፡
ዘራጊቶ ዓንድረቦ ዕድሉ ዛሃቦ…
ዕድለኛ’ዩ ውልቀ መላኺ……
ኤርትራዊያን ሒዙ እንታይከይከውን…
ተዘይከውን ነይሩ ኣይምተዓወተን…
ዘራጊቶ ዓንድረቦ ዕድሉ ዛሃቦ…
ይጻወት ግዜ ኣባኺኑ ኣብዘድሊዮ ይዳሎ…
ህዝቢ ክሳቐ ክጭነቅ ደስደ’ዩ ዝብሎ…
ዘራጊቶ ዓንድረቦ ኤርትራዊ ሒዙ
እንታይከይከውን ዘራጊቶ ዕድሉ ዘሃቦ…