መን’ዩ ሃገራዊ መን’ዩኸ ኤርትራዊ
ናይ መልሓስ ጭውንነት እየዋጽእን ስድር መርሃዊ
ባዓል ጽቡቕ ድሌት ግን ነይምድር ዓለታዊ
ኣከለ ሓማ ሰራየ ከይፈለየ ዝግስግስ’ዩ ሃገራዊ
ኣስተውዕል ተረዲእካ ሕሰብ
ንጉጉይ መንገዲ ተኣደብ
ንሰናይ ተግባር ተኸተብ
ምኸር ተላዘብ 2
ኣብነት ዘይንወስድ … ኣብነት ሶማሊያ
ርዋንዳ ቡሩንዲ … ናይህልቂት መጋሪያ
ኣይትተምነ ክትሪኣ … ንኤርትራ ኣይትተምነ ክትሪኣ
ስምራ፡
መን’ዩ ሃገራዊ … መን’ዩ ኤርትራዊ ዓለታዊ …
ኣከለ ሓማ … ሰራየ ከይፈለየ ዝኣሊ ሃገራዊ…
ኢዩ ሃገራዊ … ኣከለ ሓማ … ሰራየ ከይበሳ መታሕት …
ዝኣሊ ዝግስግስ … ኢዩ ሃገራዊ … ኣስላማይ ክርስቲያናይ …
ዘይፈሊ ዓሌታዊ … ኢዩ ሃገራዊ ….