ገዛ’ዳ ሓንጎል ጸቕጢ
ሓደ ዝደርፎም…
ዘዘፍረየቶም መዕነዊ ቤቶም…
ኢገርም’ዩ ናይዞም ሓንጎል ጸቕጢ…
ጉዙኣት ሕጊ ኣልቦ ጊላነት ዘፍቅሩ…
መንነት ህዝቢ ከጥፍኡ ሓዊ ዘሳወሩ…
ተገልቢጡ ዳኣ ለብለቦም ረመ እምባጋሮ…
ማይ ዓሚኾም ተሪፎም ርእሲ’ዞም ኮቦሮ…
ኣየባ ጉያ ጉያየ ጉያ
ክንድየናይዉ ሃታሃታ ቅድድም…
ኣብ ዓረት ጋሃንም ቀልባዕባዕ ሕልምልም…
ኩሉ ሕልሚ ወዲኦሞ…
ኣብ ዓዘቕቲ ሁጉም…
ሃተፍተፍ ተበልካስ…
ኛውኛው ከም ድሙ…
ብር ተበልካስ…
ኣይ ጋህዲ ኣይ ድቃስ…
ተስፋ እንተኾኖም…
ክደግሙ ክሓልሙ ምድቃሶም’ዩ ዝገርም…
ስምራ፡
ሓንጎሎም ጸቕጢ …
ፍጹም ዘይስቆሮም…
ሓንጎሎም ጸቕጢ …
ተካል ኣእምሮም…
ሓንጎሎም ጸቕጢ …
ዘይነበሮዶ ሕጂ ክስቆሮ…
ተካል ኣእምሮም…
ፍጹም ዘይስቆሮም…
ንጥፍኣት ዝዕላሞኦም…
እምበርከዶ ኣእምሮ’ሎዎምየ ላላሎ…