ሃገር ኣላትና ውልቀ ሰብ ዝውንና – 2023
ሃገር ኣላትና
ውልቀ ሰብ ዝውንና…
ኑቡር ንምንባራ
ዘይብላ ሂወት ዕላማ…
ኤርትራያ ሽማ
ሃገርያ ንፎርማ…
ናይ ሰብ ርህራሄ
ክንዲ ቅንጣብ ዘይብሉ…
ዓገብ ዝብሎ ዘይብሉ
ዘራጊቶ ዝዕንድረሉ…
ብዘይ ቅዋም ባይቶ ሃገር
ሕዛእቲ ኮይኑ ለምሊምሉ
ኤርትራዊ ከምዘይ ኮነ ኳዩ
ልቡ ጠፍጢፉ ዝነገረ
ምስ ሓራዲዩ
ዝፈቱ ረኺቡ ህዝቢ…
ሞፍቶይ በለ ዝብኢ
ድልየታቱ ንኽዓቢ…
ምስ ደም ሰብ ካል ኪዳን
ዝኣሰርሉ ንኽንደሚ
ሓደ ካብቲ ሓደ
ዘይሓይሽ ልቢ ዓሻ ኩሉሓደ
ኤርትራዊ ከምዘይ ኮነ ኳዩ
ልቡ ጠፍጢፉ ዝነገረ
ሓደ ካብቲ ሓደ
ዘይሓይሽ ልቢ ዓሻ ኩሉሓደ