ሃገር ማለት እንታይዲዩ ግዲ
ንዝዕንዱሩላ ጥራይ ዲዩ ማኣዲ
ሓቀይዶ ዓርከኒ ዋላስ ከመይ ትብለኒ
ኩሉ ሲጊንጢሩ ነገሩ ማይ ዓቐብ ኮይኑኒ
ህዝቢ ዝሓቖፈት ፉጡር ኣዳም መሬት
ወዲ ሰብ ዝነብረላ ተፋቒሩ ብስኒት…
ክብሪ ህዝቢዩ ወሳኒ መሰሉ ከይድፈር ተዳኒዩ ክነብር
ህዝባዩ ክብረታ ልዕሊ ሉኡላውነት ሃገር ማለት
ስምራ፡
ሃገር ማለት እንታይዲዩ ግዲ
ንዝዕንዱሩላ ጥራይ ዲዩ ማኣዲ
ኣበይ ኣሎ መሰል ሰብኣውነት