መወዳእታ ዘይብሉ
ብዛዕባ'ዚ መድረኽ'ዚ
Talk to a Human
ስነ-ጥበብ ናይ ህዝቢ መስቲኣትን ድምጺ ህዝብን ብምዃኖም ኣገልገልቲ ህዝቢ ኢዮም። ስለዚ ስለ ዝኾኑ ስርሖም ክዝንግዕዎ የብሎምን። ናህና ናይ ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን ዋላ ዳኣ ኩሎም ኣይኹኑ’በር፡ ከምቲ ዝድለ ናይ ሞያ ስነ-ጥበብ ዘይምዃኖም ግን ኣብ ሕቶ ምልክት የታሓሳስበካ። ሓደራ ኤርትራዊ ስነ-ጥበባዊ ምስ ህዝብኻን ናይ ህዝብኻ ልሳንን ኴንካ መስመር ሓቅን፡ መሰል ወዲ ሰብ ሓቢርካ ብልሳንካ ኣጉልሓሉ ድምጺ ኹኖ። ካብ ናይ ነብሰተበላጽነትን መሳርሒ ስርዓታት ኣይትኹን።
ድሕሪ 2000 ዓ.ም.
ድሕሪ 2000. ዓ.ም. ክሳብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን ዘቕረብክዎን ዘቕርቦ ዘለኹ ደርፍታተይ ክሳብ ዕድመን ጥዕናን ዝሃበኒ ሉዑል ፈጣሪየይ ንኣምላኽይ የመስገን። ንህዝበይ ድምጺ ልሳን ክኾኖ ኢየ ዓቕመይ ንዘፍቀዶ ሕልናይ ።